ነብሰ ምዕባለ ቻሌንጅን ቛንቛ ኢንግሊሽን
ብንእሽተይ ጀምር ሕልምኻ ግን ዓቢ ይኹን።
ብንእሽተይ ጀምር ሕልምኻ ግን ዓቢ ይኹን።
ተኣምራታዊ ንግሆ ህይወተይ ንኽቅይር ዝሓገዘትኒ መጽሓፍ እያ። ድስፕሊን ክገብር፥ ንዝጀመርክዎ ነገር ጸኒዐ ክሳብ መወዳእታ ከብጽሕ፥ ከምኡ 'ውን ኣብ ኣታዊታተይን፥ ኣካላውን፥ ኣእምሮኣውን፥ ስምዒታውን፥ መንፈሳዊ ህይወተይ ዕቤት ኽገብር ኣኽኢላትኒያ።
በዚ ምኽንያት እየ ድማ ምስ ኩሉ ህይወቱ ክቅይር ዝደሊ መንእሰይ ክካፈላ ብምባል ናብ ትግርኛ ዝተርጎምክዋ።
ኣብዛ መጽሓፍ ኣገደስቲ ቀንዲ 6 ንጥፈታት ኣለዋ ብ “6ም” መድሓንቲ ናይ ህይወት ዝፍለጣ ንሳተን ድማ ምጽላይን ምትኳርን፣ ምትብባዕ፣ ምስትንታን፣ ምንቅስቃስ፣ ምንባብን ከምኡ’ውን ምጽሓፍን ። ገለ ውሑድ ጥቅምታት ናይዘን ንጥፈታት ድማ እዚ ዝስዕብዩ፥
✅️ ከምቲ ትደልዮ ዓይነት ሰብ ንኽትከውን ይሕግዛኻ።
✅️ ከምቲ ትደልዮ ዓይነት ህይወት ንኽትፈጥር ይሕግዛኻ።
✅️ ክትላበሶም ዝደለኻ ኣዎንታውያን ባህርያት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናብ ህይወትካ ክትጽንብሮም ይሕግዛኻ ከምኡ’ውን ክተጥፍኦም ዝደለኻ ኣሉታዊ ባህርያት (ከም ብዝሒ መስተ ምስታይ፣ ሽጋራ ምትካኽ፣ ቀጻሊ ባእሲ ኣብ ሓዳርካ ወይ ኣብ ስድራቤትካ፣ ካልእ ኣሉታዊ ባህርያትን) ጠቅሊልካ ንኸተጥፍኦም ይሕግዛኻ።
✅️ ህይወትካ ብዕላማ ንኽትነብሮ ይሕግዛኻ።
✅️ ስሩዕ ናይ ድቃስ መደባት ከም ዝህልወና ይገብራ ማለት እኹል ዕረፍቲ ከም ዝረክብ ኣካላትና፥ ኣብ መዓልትና ድማ ኣድማዕቲ ከም ንኸውንን።
✅️ ቅሳነትን፣ ፍቅርን፣ ሓጎስን ከምኡ’ውን ዓወትን ዘለዎ ህይወት ክንነብር ይሕግዛና።
✅️ ቀጻሊ ኣብ ህይወትናን ኣብ ነብስናን ዘየቋርጽ ምዕባለ ከም ዝህልወና ይገብራ።
✅️ መዓልታዊ ከየቋረጽና ኣካላዊ ምንቅስቃስ ክነዘውትር ይሕግዛና።
✅️ ጥዕናና ይውስኽ፣ ጭንቀትና ይጎድል፣ ሽግራትና ድማ ብቀሊሉ ንኽንፈትሖም የኽእላና።
✅️ ከምኡ’ውን ኣዝዮም ብዙሓት ኣዎንታውያን ጥቅምታት ኣብ ህይወትና ኣለወን።