About Me
ብዛዕባይ
ስመይ ዳናይት (Nurse Danu) ይበሃል። ዲፕሎማ ዘለኒ ነርስ እየ። ኣነ ባዕለይ 33 ኪሎ ክብደት ኣጉዲለ እየ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ፣ ክብደት ንምጉዳል ኣመጋግባን ስፖርትን ጥራይ ዘይኮነ፣ ቀጻልነትን ጽንዓትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተማሂረ።
ነዚ 30 Day Transformation Program ዘዳለኽዎ፣ ንስኻትኩም እውን ን30 መዓልቲ ክትክተልዎ እትኽእሉ፣ ንጹርን ዝተወደበን መደብ ንኽህልወኩም እዩ።
🥗 ናይ 30 መዓልቲ ዝተወደበ ናይ ኣመጋግባ መደብ
🏋🏽♀️ ናይ ስፖርት መደብ
📖 ብዛዕባ ካሎሪ፣ ፕሮቲንን ጥዑይ ልምድታትን ዝሕግዝ መምርሒ
30 መዓልቲ፣ ሓደ ውሳነ፣ ሓድሽ ጅማሮ። ❤️