ብዛዕባ ትሕዝቶ'ዛ ሕታም
ኣብዛ ቀዳምይቲ ሕታምና፡ ምድሪ ካብ ክንደይ ቀጸላታት ዝቖመት እያ፧ ስለምንታይ'ዩ ባሕሪ ጨዋም፧ ጽማረ-ብርሃን እንታይ ይመስል፧ በርቂ ካበይ ይምንጩ፧ እቶም ናይ ስምዒት ህዋሳት ሰብ ብኸመይ ይሰርሑ፧ ምዕባለ ሰብ ካብ ድቂ ክሳብ ሓደ ዓመት እንታይ ይመስል፧ መስርሕ ምሕቃቕ መግቢ ኣብ ሰብ እንታይ ይመስል፧.... ወዘተ ዝብሉን ካልኦት ብዙሓት ሕቶታትን መሊስናዮም ኣሎና። ዕላማ ናይ እዛ ፈላሚት ሕታም መጽሔት ዋልታ ምቕሳም መሰረታዊ ፍልጠት ብዛዕባ ምድሪ፡ ኩነታት ኣየር፡ ኣትክልቲ፡ ኣካል ሰብ ወዘተ እዩ።