ብዛዕባና
ዝኸበርኩም ነበብቲ መጽሔት ዋልታ፥ ዕላማና ብዝተኻእለ መጠን ንቡዙሓት ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ዘማእከሉ ሃነጽቲ ጽሑፋት ናብ ነበብቲ ምቕራብ እዩ። ኣብ ብዝሒ ነበብትን ተገደስትን ዝሙርኮስ እኳ እንተኾነ፡ ንእታ ኣብ ግንቦት 2022 ንመጀመርያ ግዜ ናብ ነበብቲ ዘቕረብናያ ጽሒፍቲ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ መበል ሻዱሸይቲ ወርሒ ክንዝርግሓ መደብ ኣሎና። ንእቲ ካብ ምጽሓፍ ክሳብ ምዝርጋሕ ዝገጥመና ወጻኢ ንምሽፋን፥ መጽሔት ዋልታ ብርትዓዊ ዋጋ ክንሸጣ እምበር፥ ብነጻ ናብ ነበብቲ ክነቕርባ ከም ዘይከኣልና ክንሕብር ንፈቱ። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ ንምነ!